ጀርመን፣ ካብ 25 መጋቢት ኣትሒዙ ጠፊኡ፣ ክድለ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ቆልዓ ሞይቱ ተረኺቡ

RADIO ERENA – Monday, 21 April 2025

ኣብ ጀርመን፣ ቬልበርግ፣ ብ25 መጋቢት ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ወጸ ጠፊኡ ክድለይ ዝጸንሐ፣ ጳውሎስ ዝተባህለ፣ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኤርትራዊ ቆልዓ ሞኡቱ ተረኺቡ።

ነዚ ናይ ኦቲዝም ባህርያት ዝነበሮ ቆልዓ፣ ካብ ዝጠፍኣላ ኣትሒዙ፣ ብደረጃ ሃገር ጽዑቕ ናይ ምድላይ መስርሕዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ፖሊስ ጀርመን፣ ብሰንበት 20 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ቬልቡርግ ኣብ ዝርከብ ማግም ሩባ ላን፣ ሓደ ቆልዓ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ብምጥቃስ፣ ንሰለስተ ቅነ ክድለይ ዝጸንሐ ጳውሎስ ክኸውን ከምዝኽእል ኣንፊቱ።

ድሒሩ ድማ እቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ቆልዓ፣ ኤርትራዊ ጳውሎስ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ምጥፍኡ ሻቕሎት ፈጢሩ ዝጸንሐ ጳውሎስ፡ ብሞቱ ድማ ኣብ ኤርትራውያን ከቢድ ሓዘን ኣስዒቡ ኣሎ።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0