ጀርመን፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝተሓስዩ ሓረስቶት ኤርትራ ዝውዕል 1.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ለጊሳ

Radio Erena: 19 May 2020

ጀርመን፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝተሃስዩ ሓረስቶት ኤርትራ ዝውዕል ናይ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ምብርካታ ኤምባሲ እታ ሃገር ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እቲ ብመንገዲ ውድብ መግብን ሕርሻን ዝተላእከ ሓገዝ፣ ግራውቶም ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝታሃስየ ሓረስቶት፣ ምቕራብ ምሩጽ ዘርኢ፣ ቀረብ እንስሳታትን ዝተፈላለየ ናውቲ ሕርሻን ዘጠቓለለ’ዩ።

በቲ ሓገዝ፣ ኣብ ሰሜናዊውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝተሃስዩ ኣስታት 3500 ሓረስቶት ተረባሕቲ ክኾኑ’ዮም።

ባይቶ ጀርመን ኣቐዲሙ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዝኽተሎ ዘሎ ጨቛኒ ኣካይዳን ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ መሰል ሰባትን፣ ልምዓታዊ ሓገዝ ከይወሃቦ ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዝዛዘወ ዝዝከር’ዩ።

እዚ ሕጂ ብመንግስቲ ጀርመን ዝተለገሰ ሓገዝ፣ ኣብ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ምስ ምዃኑ ግና ኣብቲ ናይ ልምዓታዊ ሓገዝ ዝሕቖፍ ከምዘይኮነ’ዩ ዝምልከት።

ኣቐዲማ’ውን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ምልጋሳ ይዝከር።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣንጸላልዩወን ዘሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ያ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ’ቲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ፈጢርዎ ዘሎ ቅልውላው፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ዕልቅልቕን ተደሚሩ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኖም ኣለዉ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0