ጀርመን፣ ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ “ዓሌታዊ” መጥቃዕቲ ኮይኑ

Radio Erena: 24 July 2019

ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ዋሽተርባሽ፣ ሓደ ኤርትራ፣ “ዓሌታዊ” መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ፣ ብሰኑይ 22 ሓምለ፣ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ብዝበጽሖ ናይ ዓሌት መጥቃዕቲ፣ ብሰለስተ ጠያይቲ ከምዝተወግአ’ዩ ተሓቢሩ።

ነቲ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጀርመናዊ፣ ካብ መኪና ጠያይቲ ብምትኳስ’ዩ ነቲ ኤርትራዊ ኣቝሲልዎ።

እቲ ወዲ 55 ዓመት ዝኾነ ጀርመናዊ፣ ነቲ ዓሌታዊ መጥቕዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ብርእሰ ቅትለት ህይወቱ ከምዘሕለፈ ፖሊስ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ድረሰን፣ ኣብ ጥሪ 2015፣ ካልድ እድሪስ ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ብተመሳሳሊ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም የማናውያን ጉጅለታት ጸጸኒሖም ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0