ጀርመን፣ ሓያሎ ደቂንስትዮ ብምዕማጽ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ 14 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 04 October 2019

ኣብ ጀርመን፣ ዞባ ባቫርያ፣ ከባቢ ከተማ መሚንገን፣ ሓያሎ ደቂንስትዮ ብምዕማጽ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፣ 14 ዓመታት ክእሰርት ተፈሪድዎ።

እቲ ዓሊ ዝተባህለ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፣ ኣብ ታሕሳስ 2018፣ ንሰለስተ ደቂንስትዮ ንምዕማጽን ፈተነ ብምክያድን ተኸሲሱ፣ ጉዳዩ ንኣስታት ሓደ ዓመት ክጻረ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብ1 ጥምቅቲ ብይን ተዋሂብዎ።

እቲ ሓታቲ ዑቕባ ምዃኑ ዝተሓበረ ኤርትራዊ፣ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ከምዘይወዓሉ ብጠበቕኡ እኳ እንተተኸራኸረ፣ ዝቐረበ መርትዖኣት ግና ገበነኛ ከብሎ ከምዝኸኣለ ማዕከን ዜና ቢልድ ሓቢሩ።

ስእሊ፣- መርበብ ሓበሬታ bild.de

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Hafiz 2015 5 years ago

    በዚ ትህቡና infomation ሕቡናት እኳ እንተኾና ግን በዚ ሕማቅ ተግባር የሕዋትና ግን ሕዙናት ኢና።