ጀርመን፡ ኤርትራዊ ዜጋ ብቕትለት ተኸሲሱ

Radio Erena: 03 March 2023

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ደቡባዊ ጀርመን ድሕሪ ዘጋጠመ ቅትለት ጓል 14 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ናይታ ሃገር ኣንጻር ወዲ 27 ዓመት ጥርጡር ክሲ ከም ዝመስረተ ተሓቢሩ።

እታ ብኻራ ህይወታ ከም ዝሰኣነት ዝተገልጸት ግዳይ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ እያ ኣብ ደቡብ ጀርመን ኣብ እትርከብ ከተማ ኢልርክሽበርግ ምስ ካልኣይታ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ወሪድዋ፡፡

እቲ ፈጻሚ ገበን ተባሂሉ ዘሎ፣ ነዘን ክልተ ግዳያት፡ ብኣጋጣሚ ኣብ መንገዱ ክሓልፋ ረኺቡ ከም ዝቐተለን ክግለጽ እንከሎ፡ እታ ቦኽሪ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ሂወታ ከም ዝሓለፈ ይፍለጥ። እተን ግዳያት ዜጋታት ጀርመን እየን ኔረን።

ፖሊስ ንገለ ግዜ ድሕሪ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ምስቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ካራ ዝመሳሰል ዝሓዘ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝቕመጥ ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ ረኺቦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተውዎን፡ ግቡእ መርመራ ከም ዘካየድሉን ይግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0