ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ፣ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝገበረቶ ፍሉይ ኣበርክቶ ተሸሊማ

ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ፣ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝገበረቶ ፍሉይ ኣበርክቶ ተሸሊማ

Radio Erena: 09 October 2017

Alganesh Fisseha

ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ብፍላይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ድማ ብሓፈሻ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ኤርትራዊት ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሃ፣ ኣብ ኢጣልያ ሃገራዊ ሽልማት ተዓዊታ።

ጋንዲ ናይ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ መስራቲትን ኣካያዲትን ዝኾነት ዶክተር ኣልጋነሽ፣ ነዚ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣብ ኢጣልያ ዝወሃብ ፍሉይ ሽልማት ትዕወት ዘላ፣ ኣብ ላምፔዱሳ፣ ሲናይን ካልኦት ከባቢታትን ንስደተኛታት ክትገብሮ ብዝጸንሐት ሰብኣዊ ሓገዛት’ዩ።

ዶክተር ኣልጋነሽ ነቲ ብፍሉይ ኣበርክቶኣ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝረኸበቶ ሽልማት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት’ያ ነቲ ሃገራዊ ሽልማታ ተረኪባ።

ንሳ ኣብ 2013 ብተመሳሳሊ ንዝተዓወተቶ ‘ወርቃዊ ሽልማት ኣምቦርጂኖ’ ካብ ኢድ ከንቲባ ከተማ ሚላኖ ከምዝተቐበለት ይዝከር።

ዶክተር ኣልጋነሽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኢጣልያ፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራትን ንዝርከቡ ስደተኛታት እተበርክቶ ዘላ ዕዙዝ ሰብኣዊ ሓገዛትን ሰናይ ተግባራትን ሓያል ኣድናቖትን ክብርን ረኺባ’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0