ዶብ ኦምሓጀር – ሑመራ፣ ንኢትዮጵያን እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ዕጹው ከምዘሎ ተሓቢሩ

ዶብ ኦምሓጀር – ሑመራ፣ ንኢትዮጵያን እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ዕጹው ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 28 January 2019

ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝተኸፍተ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ንኢትዮጵያውያን ነጋዲ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ዕጽው ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብወገን ኢትዮጵያ ዝመጹ ከም ፈሓም፣ ቡን፣ ኣእካል፣ ቢራ፣ ናይ ህንጻ ኣቑሑን ካልእ ነገራትን ዝሓዙ ነጋዲ፣ ብዘይዝኾነ ጸገም ናብ ኤርትራ ክሰግሩ እንከለዉ፣ ብወገን ኤርትራ ንዝመጽኡ ነጋዶ ግና፣ “ፍቓድ የብልኩም” እናተባህሉ ይኽልከሉ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ብ22 ጥሪ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ነጋዶ፣ ኣብ ኦምሓጀር ተዓጊቶም ከምዝወዓሉ ከም ኣብነት ዘቕረቡ እቶም ምንጭታት ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ክልተ ኬላታት ብምቛም፣ ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን የካይድ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኣቐዲሙ’ውን መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ፍኑው ገዲፍዎ ዝጸንሐ መሰመራት ክሳድ ዒቃ-ራማን፣ ሰርሓ-ዛላምበሳን፣ ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃበ ከምዝዓጸዎ ይዝከር።

ኣብ ፈለማ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘብሉ ዝጠቐሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሩ ግና፣ ሕጋዊ መስርሕ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ንምትእትታው ከምዝተዓጽወ ጠቂሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0