ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ጂቡቲን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ጂቡቲን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena: 09 September 2018

FM of eri_dj_eth_somኤርትራን ጂቡቲን፣ ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሐኦ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ጂቡቲ ድሕሪ ዘካየዱዎ ዑደት፣ ፕረዚደንት’ታ ሃገር እስማዒል ዑመር ገለ ብዘርኣዮ ቅሩብነት፣ እቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ምስምምሞዖም ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ድሕሪ’ቲ ዘተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ክልቲኤን ሃገራት ዘለወን ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፈትሓ ባይታ ንዘጣጠሓ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ኣመስጊኑ።

 

ሚኒስተር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ብተወሳኺ፣ ‘ኣብ መንጎ’ዘን ጎረባብቲ ሃገራት ሰላም ክፍጠር እዋኑ’ዩ’፣ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ፍልልያት ዘምጽእ ዘሎ በበይኑ ጉዳያት ግዚኡ ሓልዩ ፍታሕ ክርከቦ’ዩ፣ ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ እውን ብወገኑ፣ እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዝጅምር ዘሎ ዘተ ሰላም ታሪኻዊ ዓወት ኣብ ዲፕሎማሲ’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2008 ዝጀመረ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ጂቡቲን፣ ኣብ 2010 ክሳብ 2017 ቐጠር ብመንጎኝነት ሒዛ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ራስ ዱሜራ 450 ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣዋፊራትሉ ኔራ። እንተኾነ ኣብ ሃገራት ዓረብ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፍልልይ፣ ኤርትራ ኣንጻር ቐጠር ብምውጋና፣ ቐጠር ሰራዊታ ምስሓባ ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየዶ ሓድሽ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዘሎ እገዳ ክለዓል ክጽዋዓ እንከለዋ፣ ጂቡቲ ግና እቲ እገዳ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ የብሉን ብምባል ክትቃወም’ያ ጸኒሓ።

ዞባዊ በይናዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ማለት ኢጋድ፣ ንዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ጂቡቲን ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ሰፊኑ፣ ኩለን ሃገራት ብሓባር ናብ ምዕባለ ዝግስግሳሉ እዋን በጺሑ’ዩ ኢሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0