ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን ንምዃን ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ይቕጽል

Radio Erena: 17 October 2021

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታቶም ድምጺ ንምዃን ዘካይዱዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፍታት ይቕጽል ኣሎ።
እዞም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘካዪዱዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ኣኣብ ዝነብሩሉ ዘለዉ ሃገራት ንዝርከብ ኤምባሲታት ሊብያ ስምዕታ ንምቕራብን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሎም ንምጥላብን ምዃኑ ገሊጾም።
እዞም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጭርሖታቶም፣ ነቲ ብሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ማእሰርቲ፣ መግረፍቲ፣ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን መቕተልትን ዝቃወም ይርከቦ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ሰበስልጣን ትሪፖሊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉ እንከለዉ፣ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ከኣ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።
ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፣ ብዉሑዱ 250 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎም ዩኒሴፍ ክገልጽ እንከሎ፣ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳት ደቀንስትዮን ኣብ መንጎ’ቶም ዝተቐየዱ ከምዝርከባ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
እዞም ድምጺ ወገናቶም ንምስማዕ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ እቶም ግዳያት ድሕነቶም ክወሓስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከኣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጣየሱ ጸዊዖም።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 25 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ፣ ረዳኢ ዝሰኣኑ ግዳያት ጥሜትን ካልእ ሕሰምን ኮይኖም ምህላዎም ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0