ዴንማርክ፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ናብ ኮሶቮ፣ ሓተቲ ዑቕባ ድማ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዞም ብዝልዓለ ትሰርሕ ኣላ

Radio Erena:12 October 2022

ኣብ ባሕቲ ሕዳር ምርጫ ንምክያድ፣ ኣብ ክትዕ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ተጸሚዳ እትርከብ ደንማር፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣርእስታታ፣ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኮይኑ ኣሎ።

ዴንማርክ፣ ኣሰር እስራኤልን ብሪጣንያን ብምስዓብ፣ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምግዓዝ መደብ ከምዘለዋ ብጋህዲ ኣፍሊጣ’ያ።

ምስ ርዋንዳ ንትግባሬ ምግዓዝ ስደተኛታት ዘኽእል ናይ መዘክር ስምምዕ ዝኸተመት ዴንማርክ፣ ንብሪጣንያ ዘጋጠማ ብድሆታት ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ንኽትዕ ኣውሪዳቶ ትርከብ።

ኤውሮ ኒውስ፣ ብ11 ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ዝተኸፋፈለ መርገጺታት ዝሓዙ ፖለቲካውያን ሰልፍታት እታ ሃገር፣ ኣብ ጉዳይ ምግዓዝ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ግና ብዝያዳ ዝተቐራረቡ ይመስሉ ክብል ደምዲሙ።

ዴንማርክ፣ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምግዓዝ መደብ ዝልዓለ ኣተኩሮ ክትህቦ እንከላ፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣስታት 300 ወጻእተኛታት ድማ ናብ ኮሶቮ ንምስግጋሮም ናይ ኣስታት 15 ሚልዮን ኤውሮ ስምምዕ ምኽታማ እቲ ማዕከን ዜና ኣረጋጊጹ።

እቶም ከባቢ ከተማ ፕርስቲና ናብ ዝርከብ ዝግዕዙ እሱራት፣ ዜግነቶም ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ናይ ምእሰርቲ ግዜኦም ምስወድኡ ነናብ ዓዶም ክስጎጉ ምዃኖም ተመልኪቱ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0