ዳርፉር፣ ብሰንኪ ስርቂ ሞተርሳይክል ኣብ ዝተላዕለ ቀቢላዊ ግጭት ብውሕዱ 48 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 November 2022

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር፣ ብ9 ሕዳር ኣብ ዝተወልዐ ቀቢላዊ ግጭት ብውሕዱ 48 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስታዊ ትካል ግብረሰናይ፣ ብ16 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ማእከላይ ዞባ ዳርፉር፣ ከባቢ በንዳሲ፣ ጁጉማ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ብሰንኪ ዝተወልዐ ግጭት፣ 17 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 15 ህዝቢ ሽሕ ካብ መነባብርኡ ምፍናቓሉ ኣመልኪቱ።

እቲ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ሚስርያን ኣውላድ ራሺድን ዝተባህሉ ቀቢላታት ከምዝተኻየደ ዘመልከተ እቲ ትካል፣ ዕጡቓት ሞተርሳይክል ንምስራቅ ንዋናኣ ድሕሪ ምቕታሎም ከምዝተላዕለ ሓቢሩ።

ኣብቲ ግጭት፣ ኣብታ ቁሸት ዝርከብ ናይ ኩዳር ኣብያተ ሸቐጥ ከምዝተዘምተን ከምዝዓነወን ናብ ጎረባብቲ ቁሸታት ዝሃደሙ ነበርቲ ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ሂቦም።

ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ብዝሒ ሰባት ገና ምጽራይ ከምዘድልዩ ብምግንዛብ፣ እቲ ግጭት፣ ኣብ ተኣፋፊ ጸጥታ ንዝርከብ ኩነታት ዞባ ዳርፉር ከየጋድድ ዘስግእ’ዩ ኢሉ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብታ ግጭጥ ዝተጎሃሃረላ ቁሸትን ከባቢኣን፣ ሓይልታት ጸጥታ የዋፍር እኳ እንተሎ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣሰካፊ ናይ ጸጥታ ሃዋሁ ከምዘሎ’ዩ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብቲ ከባቢ፣ ካብ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ምሸት፣ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0