ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ዕንቅፋት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ዕንቅፋት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 03 February 2019

ብመንገዲ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣሻቒሉዎ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረጋጊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንባይቶ ሃገሩ ብሰሉስ 29 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ዶባቱ ብግቡእ እንተዘይተቖጻጺሩ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ መግለጺኡ፣ ብዛዕባ’ዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገሩ ዝኣቱ ዘሎ ኣጽዋር ኣመልኪተን ክልቲኤን ሃገራት ብደረጃ ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ተዘራሪበን ክነሰን፣ መንግስቲ ሱዳን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይወሰደ ሓቢሩ።

ዓሌታዊ ምትህልላኽ ዘንቀሎ ግጭት ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ተጎሃሂሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እዚ ብመንገዲ ሱዳን ኣቢሉ ብብዝሒ ዝኣቱ ዘሎ ኣጽዋር፣ ነቲ ግጭት ናብ ዝለዓለ ጠርዙ የንህሮ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተራኸቡሉ፣ ጉዳይ’ዚ ብዶብ ዝኣቱ ዘሎ ኣጽዋር ከም ቀንዲ ዛዕባ ከምዝተላዕለ ዝሕብሩ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት፣ ንዕኡ ብዝምልከት’ውን ተኸታታሊ ኣኼባታት ከምዝተኻየደ የነጽሩ።

እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ዛጊት ዶቡ ክቆጻጸር ብዘይምኽኣሉ፣ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ብከቢድ ክጽሎ፣ ወይ’ውን ጨሪሱ ክቋረጽ ከምዝኽእል፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣባላት ባይቶ ኢትዮጵያ ብወገኖም፣ ንመብርሂ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ምስማዕ፣ ምስ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ብዙሕ ከምዘይነጸረሎም፣ ግቡእ ቅጥዕታትን ሕግታትን ከይጸደቑ ምኽፋት ዶብ ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሕቶታት ኣቕሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ናብ ሃገሩ ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ኣበይ ከምዝተሰርሐ ዝፈልጥን፣ ምስ ሰራሕቱ ከምዝተዘራረበን እኳ እንተፍለጠ፣ ኣበየነይቲ ሃገር ምዃኑ ግና ኣየነጸረን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0