ደንማርክ፣ብዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከተማርር ጀሚራ

ደንማርክ፣ብዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከተማርር ጀሚራ

Radio Erena: 15 August, 2014

Justice Mini DEN

ደንማርክ ኣሰር ጎረባብታ ብምስዓብ፣ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከተማርር ጀሚራ።

ጎረባብቲ ደንማርክ ዝኾና ሽወደንን ነርወይን፣ ኣቐዲመን ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከማርራ ዝጸንሓ ኮይነን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከማርራ ዝጀመራ ድማ ፈረንሳን ቤልጁምን’የን።

ሚኒስተር ፍትሒ ዴንማርክ ካረን ሃክሩፕ፣ ብዛዕባ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓቲቲ ዑቕባ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ጠንቂ ዋሕዚ እቶም ስደተኛታት መጽናዕቲ ክካየደሉ ከምእትደሊ ገሊጻ።

 

እቶም ስደተኛታት ስለምናትይ ካብ ኤርትራ ጥራይ ይውሕዙ ከምለዉ መብርሂ የድልየና’ዩ ዝብለት እታ ሚኒስተር፣ ነርወይ፣ ሆላንድን ጀርመንን ተመሳሳሊ ተሞክሮ ስለዘለወን፣ መንግስቲ ደንማርክ’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ተወኪሱወን ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ነቲ ኩነታት እተጽንዕ፣ ሓይሊ ዕማም’ውን ኣቝማ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም 10 ሰባት ጥራይ ዑቕባ ዝሓቱ ዝነበሩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና እቲ ቁጽሪ ናብ 510 ከምዝዓረገ’ውን ጸብጻብ ኮፐንሃገን ፖስት የመልክት።
===================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0