ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዜጋታት ኬንያ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ፈቒዳ

Radio Erena: 10 November 2022

ዜጋታት ኬንያ ካብ ጥሪ 2023 ኣትሒዞም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ተፈቒዱሎም።

በዚ ሓድሽ ውሳኔ፣ ንሓጺር ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ ዑደት፣ ንግዲ ይኹን ካልእ፣ ን90 መዓልታት ጥራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጸንሑ ንዝደልዩ ዜጋታት ኬንያ፣ መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ኣይከድልዮምን’ዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ናብዚ ውሳኔ’ዚ ዝበጽሐት፣ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ፣ ብ09 ሕዳር ናብ ኬንያ ኣትዩ ዘሎ ፕርዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፣ ምስ ኬንያዊ መዘንኡ፣ ዊልያም ሩቶ ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት’ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ብዛዕባ ምልዓል ቪዛ ብዝምልከት ካብ 2016 ኣትሒዘን ክዝትያ እኳ እንተጸንሓ፣ መንግስቲ ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ዜጋታቱ ክመልስ እንተዘይክኢሉ፣ እቲ ዘተ ናብ ግብሪ ከምዘይቅየር ብወገን ፕሪቶርያ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኬንያ፣ ንደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊስካ ንዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ካብ ዝፈቕዳ ‘ያ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ዜጋታት ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ካብን ናብን ብዘይቪዛ ክንቀሳቐሱ ከኽእሎም’ዩ።

ኣብ ትሕተ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንግዲ፣ ቱሪዚምን ቁጠባዊ ውህደትን ንምዕባይ፣ ዜጋታተን ካብን ናብን፣ ብዘይ ናይ ቪዛ ገደብ ክንቀሳቐሱ፣ ብመትከል ዝቕበልኦ እኳ እንተኾና፣ ጸጥታ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን፣ ስግኣት ሽበራን ዶባዊን ቀቢላዊ ግጭታትን ንትግባሬኡ ከምዝዕንቅፍ ‘ዩ ዝግለጽ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0