ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ክልተ ሚልዮን ክታበብ ኮቪድ ተወፍይ

Radio Erena: 23 December 2021
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምዕሩይ ዝርጋሐ ክታበት ኮቪድ-19 ክትዓራረ ንምሕጋዝ ክልተ ሚልዮን ክታበት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትውፊ ምዃና ገሊጻ።

እቲ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ክታበት ‘ጆንሰን’ን ጆንሰን’ ዝዓይነቱ ኮይኑ ናብተን ብህጹጽ ክታበት ዘድልየን ሃገራት ክባጻሕ ምዃኑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲይሪል ራማፎሳ ገሊጹ።

ንገዛእ ርእሱ ብኮቪድ 19 ተለኺፉ ኣብ ውሸባ ዝርከብ ፕረዚደንት ሲይሪል ራማፎሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕደን ብምትሕግጋዝ ኣንጻር እዚ ሕማም ክቃለሳ እንተዘይክኢለን ኣብ ዝተናውሐ እዋን ክዳኸማ ምዃነን ብምግላጽ ካብ ካልኦት ሃገራት ምጽባይ ሃሳዪ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ኮቪድ 19 ንምክልኻል፡ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽተፍሪ ኣስታት 70 ሚእታዊ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክኽተብ ከምዘለዎ እዚ ንምግባር ድማ ገና ሚልዮናት ክታበት ከምዘድሊ ሓቢሩ።

ወዲ 69 ዓመት ፕረዚደንት ሲይሪል ራማፎሳ፡ ብ12 ታሕሳስ ብኮቪድ 19 ክጥቃዕ እንከሎ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕክምና ጽዑቕ ክንክን ይግበረሉ ኣሎ።
ኣፍሪቃ 1.3 ቢልዮን ህዝቢ ክህልዋ እንከሎ 70 ሚእታዊት ካብዚ ንክኽተብ፣ ክሳብ ዓመተ 2024 ግዜ ክወድስ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 20 ጥራይ ብውሕዱ 10 ሚእታዊት ካብ ህዝበን ከኽትባ እንከለዋ 10 ካልኦት ድማ ትሕቲ ክልተ ሚእታዊት ጥራይ ኣቕቲበን ኣለዋ። ብሓፈሻ ድማ 10 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ተኸቲቡ ኣሎ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ጥራይ እያ እታ እንኮ ዝኾነ ናይ ክታበት መደብ ዘይብላ ሃገር ኮይና ዘላ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0