ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ፕረዚዲንት ሳልቫኪርን ምክትሉ ሬክ ማቻርን ሓድሽ ግጭት ተጓሃሂሩ

Radio Erena: 28 March 2022

ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ከይፈርስን እታ ሃገር ናብ ዳግማይ ምሉእ ግጭት ከይትሽመምን ምክትል ፕረዚደንትን መራሕቲ ተቓወምቲ ቀቢላ ኑዌርን፣ ሬክ ማቻር ኣጠንቂቑ።

ሬክ ማቻር ነዚ ዘጠንቀቐ፣ ብፕረዚደንት ሚያርዲት ሳልቫኪር ዝእዘዙ ወትሃደራት መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ብምኽሳስ’ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ነቲ ኣብ 2018 ዝተኸተመ ስምምዕ ዝጥሕስ ‘ዩ ዝብለ ሬክ ማቻር፣ ሸምገልቲ ኣካላት ነቲ ጉዳይ ብህጹጽ ከጻርዩዎ ሓቲቱ።

ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ሬክ ማቻር፣ ናብቲ ከም ሸምጋሊ ኣካል ኮይኑ ዝተዋስአ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፣ ጸጥታዊ ኩነታት ደቡብ ሱዳን፣ ካብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ከምዝርከብ ኣስሚርሉ።

ደቡብ ሱዳን ናብ ምሉእ ግጭት ከይተሸመመት እንከላ ኢጋድ ቅልጡፍ ምትእትታው ክገብር ድማ ተላብዩ።

ኣብ ከባቢ ጁባ፣ ሰራዊት መንግስቲ ይተኣኻኸብ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣፈኛ ማቻር፣ ፖክ ቡስ ብወገኑ፣ ዕላማ እቲ ምትእኽኻን ንጹር ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት ማቻርን ብፕረዚደንት ኪር ዝምርሑ ሰራዊት መንግስትን፣ ኣብ ዞባታት ላዕላይ ኒልን ዩኒቲን ግጭታት ከምዝተኻየደ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ሱዳን ተፈልያ፣ ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ነዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት ካብ ግጭትን ስግኣት ግጭትን ኣዕሪፋ ኣይትፈልጥን።

መብዛሕቱ እቲ ግጭታት፣ ኣብ መንጎ ‘ቶም ብፕረዚደንት ኪር ዝምርሑ ቀቢላ ዲንካን፣ ብሬክ ማቻር ዝእዘዙ ቀቢላ ኑዌርን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ካልኦት ንኣሽቱ ቀቢላታት’ውን ተመሳሳሊ ረጽምታት ይርአ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግጭታት ቀቢላዊ ምዃኑ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ሓደ ወገን ስልጣን ክብሕት ምድላይ፣ ዘይብቁዕ ምሕደራን ብልሽውናን ካብ ኣውራ ጠንቂታቱ ምዃኑ ተንተንቲ ይሰማምዑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0