ደቡብ ሱዳን፣ ትግባረ ስምምዕ ሰላም  ተደናጕዩ

ደቡብ ሱዳን፣ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ተደናጕዩ

Radio Erena: 23 October 2018

south sudan soldiersኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ትግባረ ክሰጋገር ዝነበሮ ስምምዕ ሰላም ተደናጕዩ።

መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ 12 መስከረም ኣብ ካርቱም ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ ናብ ትግባረ ከሰጋግርዎ ብዘይምኽኣሎም፣ ኣብታ ሃገር ሻቕሎት ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣል ዲርዲሪ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ ጁባ ብምርኻብ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተዘራሪቦም።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ርክብ፣ ነቲ ብተቓወምቲ ወገናት ዝቐርብ ዘሎ ምዕዝምዛም ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ኣውሓስቲ ናይቲ ስምምዕን ሓባራዊ መግለጺ ንምሃብ ዝዓለም ምንባሩ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፣ ድሕሪ’ቲ ርክብ ዝወጸ መግለጺ ንምድንጓይ እቲ ስምምዕ ሰላም ብዝርዝር ኣየመልከተን።

ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግባረ ከምዘይወዓለ ዝወቕሱ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ሓያሎ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ምሩዃት ኵናትን ከምዘይተፈትሑ ይጠቕሱ።

ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሬክ ማቻር ዝርከቦም ሓያሎ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ካብቲ ኣይተተግበረን ዝብልዎ ዘለዉ ስምምዕ ሰላም እንተስሒቦም፣ ደቡብ ሱዳን እንደገና ናብ ዝበኣሰ ግጭት ክታቱ ከምእትኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት የጠንቕቑ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0