ደቡብ ሱዳን፣ ሓድሽ ፓርላማ ዝቖመሉ ናይ ግዜ ገደብ ሓሊፉ

Radio Erena: 29 July 2020

ብልፍንቲ ዝቖመ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ እትምስረት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺራ ዘላ ደቡብ ሱዳን፣ ዝጸንሐ ፓርላማ ፈሪሱ ብሓድሽ ዝትክኣሉ ግዜ ሓሊፉ።

ኢጋድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ንዝጸንሐ ፓርላማ ኣፍሪሱ፣ ኣብ 26 ሓምለ ሃድሽ ባርላማ ከቕውም ጸዊዑ ኔሩ’ዩ።

ሚኒስተር ዜና ደቡብ ሱዳን፣ ንምዕከናት ዜና ኣብዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ መስርሕ ይካየድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ምቋም ሓድሽ ፓርላማ ዝደናጎየሉ ምኽንያት ከምዘለየ ጠቒሱ ኣሎ።

ምድንጓን ምቛም ሓድሽ ፓርላማ ማለት፣ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ናብ ተወሳቒ ስቓይ ምቅላዕ ማለት ስለዝኾነ፣ ኣብ ዝቐልጠፈ ክትግበር ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ 332 መናብር ፓርላማ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ዓብላሊ ሰልፊ ክሕዛእ እንከሎ፣ 128 ድማ ሬክ ማቻር ዝውክሎ ተቓዋሚ ሰልፊ ክውንኖ’ዩ።

ካልኦት ሰልፍታት ድማ ብድምር 80 መናብር ክሕዛ’የን።

ናይ ፖለቲካ እሱራት ነበር ብወገኖም፣ 550 መናብር ኣብ ዘለዎ ፓርላማ ደቡብ ሱዳን ብ10 ኣባላት ክውከሉ እቲ ስምምዕ ይፈቕድ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0