ደቡብ ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ምምይያጠን ንግብጺ ኣሻቒሉ

Radio Erena: 24 December 2020

ደቡብ ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምይይጥ ምክያደን፣ ንመንግስቲ ግብጺ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ መርበባት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዝዘተያ፣ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ቱት ጋልዋክ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀጠር ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ከተማ ዶሓ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ዴታ ሚኒስትሪ ምክልኻልን፣ ካልድ ቢን መሓመድ ኣል ዓቲያ ብምርኻብ’ዩ ዘትዩ።

ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ከምዝተመያየጡ እንተዘይኮይኑ፣ ዝርዝር ናይ ዘካየድዎ ዘተ ኣይተገልጸን።

ኣቐዲሙ፣ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናይ መጀመርያ ዝኾነ ዑደት ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ግብጺ፣ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾና ሃገራት ዝምድንኣ ተሐይል እኳ እንተላ፣ ከም ሱዳንን ሶማልን ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ቀጠር ዘለወን ርክባት ግና ብሻቕሎት ከምእትከታተሎ’ዩ ዝግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0