‘ናይ መግቢ ረዲኤት እንተዘየሎ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘኽይድ የብልናን’ ደቡብ ሱዳናውያን ተመሃሮ

Radio Erena: 19 June 2022

ዓለማዊ ውድብ መግቢ (WFP) ንደቡብ ሱዳን ዝልግሶ ዝነበረ ናይ መግቢ ረዲኤት ከጉድሎ ምውሳኑ፣ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ’ታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ደቡብ ሱዳናውያን ተመሃሮ፣ ‘ናይ መግቢ ረዲኤት እንተዘየሎ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘኽይድ የብልናን’ ይብሉ ምህላዎም ኣሻቓሊ’ዩ ኢሉ።

ዓለማዊ ውድብ መግቢ ተመሃሮ ብዘይተጽዕኖ ትምህርቶም ክከታተሉ መታን፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀለብ ከዳልወሎም ጸኒሑ። ምጉዳል’ዚ ናይ መግቢ ረዲኤት ብውሑዱ ን6.2 ሚልዮን ሰባት፣ 178 ሽሕ ካብኣቶም ህጻናት ብከቢድ ክጸልዎም እዩ።

ብፍላይ ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ተመሃሮ፣ ኣብ ቤት ትምህርቶም እንዳተቐለቡ እዮም ትምህርቶም ክከታተሉ ጸኒሖም።

ርእሰ መማህራን ናይ ዝተፈላለያ ቤት ትምህርታት ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ምሕጽንታ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀለብ ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምቕራብ መደብ ክቕጽሎ፣ ከምኡ’ውን ለገስቲ ሃገራት ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብራ ጸዊዖም።

ብሰንኪ’ዚ ዓለማዊ ውድብ መግቢ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ናብ ዝቕጽል ዓመተ ትምህርቲ ክምዝገቡ ናይ ዝነበሮም ተመሃሮ ቁጽሪ፣ ድሮ ብዝተዓጻጸፈ ጎዲሉ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0