ደሃዮም ዝጠፍአ ሰለስተ ባሕረኛታት ቱርኪ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 June 2020

ንክሊ ማያት ዓለምና ኣብ ምዛር ዝነበሩ ሰለስተ ባሕረኛታት ቱርኪ፣ ደሃዮም ዝጠፍኣሉ ናይ መወዳእታ ቦታ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቶም ደሃዮም ካብ ዝጠፍአ ወርሒን ሰሙንን ዘቑጸሩ ባሕረኛታት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ድሕሪ ምብጋሶም፣ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር መኣዝኖም ብምቕያር ናብ ገማግም ባሕሪ ከምዝተጸግዑ ጋዜጣ ሑርየት ካብ ኢስታንቡል ኣመልኪታ።

ብመሰረት ኣብታ ጋዜጣ ዝሰፈረ ዓንቀጽ፣ መንነቶም ዘይተሓበረ ዕጡቓት ናብታ መርከብ ኣትዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ወሲዶሞም።

ንሳቶም ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ለበዳ ኮረና ቫይረስን፣ ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ቅድሚ ምጽግዖም ኣብ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርኪ ርክብ ኣካይዶም ምንባሮም እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ጠቒሳ።

ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ኣምባሳደር ቱርኪ፣ ኣይኩት ኩምባሮግሉ ደሃዮም ንምጥያቕ ዝገበሮ ፈተነ ክሰልጦ ኣይከኣለን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ መልቩት ሳቩሶግሉ ብወገኑ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ደብዳቤ እኳ ኣንተልኣኸ መልሲ መልሲ ኣይረኸበን።

እንተኾነ፣ እቶም ሰለስተ ቱርካውያን ባሕረኛታት ኣብ ደሴት ዳህላክ ተታሒዞም ከምዘለው፣ ዘይተጣለለ ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ስድራቤታቶም ይእንፍቱ።

ዝምድናን ኤርትራን ቱርኪን ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ ተዘሪጉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኤርትራ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ ብምሓዝ ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝነበራ ዝምድና ኣዛሕቲላ ከምዘላ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0