ዩጋንዳ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትሸባሸበሉ ዘላ እዋን፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ድምጺ ተቓውምቱ ብምዕባስ ይኽሰስ

Radio Erena: 10 January 2021

ዩጋንዳ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትሸባሸበሉ ዘላ እዋን፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ድምጺ ተቓውምቱ ብምዕባስ ይኽሰስ ኣሎ።
ተጣበቕቲ ድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ዘቕርብዎ ዘለዉ ክሲ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ጥራይ 10 ጋዜጠኛታት ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ምፍርራህን መጥቃዕትን ከምዝወረዶም ኣቃሊዖም።
እቶም ጋዜጠኛታት ናይ ምርጫ ጎስጓስ ናይ ዘካዪዱ ዝነበሩ ተወዳደርቲ ሕጹያት ጸብጻብ ንምግባር ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን እዩ ካብ መንግስቲ ምፍርራህ ዝወርዶም ዘሎ።
መንግስቲ ዩጋንዳ ብተወሳኺ፣ እቲ ምርጫ ናጻን ርትዓዊን ከምዝኾነ ንምርግጋጽ ዝነጥፋ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ምንቅስቓሳተን ደሪቱ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እተን ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ጸግዒ ከይሓዛ ብተዓዛብነት ክዋፈራ ዝሓተታ ትካላት፣ መንግስቲ ናይ ባንክ ሕሳበን ስለዘደስከሎ፣ ንጥፈታተን ከካዪዳ ከምዘይከኣላ እዩ ዝግለጽ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዩጋንዳ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እተን ማሕበራት ክስርሓሉ ዝግበአን ቀንዲ ዕላማ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ህዝቢ ብምሉእ ናጽነት መራሒኡ ከምዝመርጽ ንምርግጋጽ ምዃኑ ብምብራህ፣ መንግስቲ ነዚ ንጥፈታተን እንተዓንቂጹ፣ ውጽኢት ምርጫ ተቐባልነት ክህልዎ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ብካልእ ወገን፣ ቀንዲ ካብ ተቐናቐንቲ ዮወሪ ሙሰቨኒ ዝኾነ ቦቢ ዋይን፣ እቲ ፕረዚደንትን ካልኦት ሸሞንተ ሰበስልጣናትን ብገበን ክሕተቱ፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቦቢ ዋይን፣ እቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ መራሒኦም፣ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ ንሰራዊትን ኣባላት ፖሊስን ናይ ‘ተኲስካ ቅተል’ ትእዛዝ ኣማሓላሊፎም ክብል እዩ ዝኸስስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0