ዩጋንዳ፤ ሙሰቨኒ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን መጥቃዕቲ ይፍኑ

Radio Erena: 14 July 2020

ዩጋንዳ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ውልቂ ሜድያ መጥቃዕቲ ክካየድ ምጅማሩ፣ ኣሻቓሊ ከምዝኾነ ኮሚቴ ንምጥባቕ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ፣ ነቶም ብቅሉዕ ዝነቕፉዎ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ክኣስር ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

‘ፖለቲካ ሓዘል ዜና ምድላው፣ ሓደገኛ ኮይኑ’ ብምባል ንኩነታት ሃገሮም ዝገልጹ ዘለዉ ጋዜጠኛታት፣ ብፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ምፍርራህን ማእሰርትን ይወርዶም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ መፈለምታ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ሓፈሻዊ ምርጫ ዝካየደላ ዩጋንዳ፣ ንሙሰቨኒ ምውድዳር ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ከምዘሎ’ዮም ተቓወምቲ ሓይልታት ዝገልጹ። ተሪፈን ዘለዋ ማዕከናት ዜና እተን ብመንግስቲ ዝውነናን፣ ምስ ሙሰቨኒ ዝደናገጻን ጥራይ ብምዃነን፣ ምስ ህዝቢ ተራኺብና ጎስጓሳትና ከነካዪድ ኣይከኣልናን ክብሉ’ዮም እቶም ተቓወምቲ መረረኦም ዘስምዑ።

ኣብ ዩጋንዳ፣ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ብዝተሓሓዝ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 10 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ’ዩ ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0