ዩጋንዳ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታትን ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 17 September 2020

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት እታ ሃገርን ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ስደተኛታትን ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዞባ ማዲ ኦኮሎ ዝተኻየደ ግጭት፣ መንነቶም ዘይተነጸረ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዩጋንዳዊ ጓሳ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ከምዝተጎሃሃረ’ዩ ተመልኪቱ።

ዩጋንዳውያን ነበርቲ ሓንቲ ቁሸት ተወዲቦም ድሕሪ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ህጻን ምስ ኣዲኡ ዝርከቦም 10 ስደተኛታት ክቐትሉ እንከለዉ፣ 10ታት ካልኦት ኣቑሲሎም።

ብርክት ዝበለ ኣጓዱን መጽለሊ ስደተኛታት’ውን ኣቓጺሎም።

ኣብቲ ከባቢ፣ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንን ዜጋታትን ዝኾኑ ነበርትን ተፈጢሩ ንዘሎ ምትፍናን ንምህዳእ መንግስቲ ኡጋንዳ ተወስኽቲ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ይርከብ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 1 ሚልዮን ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ከምዘለው ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0