ዩኒሴፍ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ክውዕል ካብ ዝሓተቶ ሓገዝ 30% ጥራይ ምርካቡ ገሊጹ

Radio Erena: 22 January 2021

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ- ዩኒሴፍ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ናብ ቆልዑን ኣዴታትን ዘተኮረ ሓገዝ ንኽውዕል ካብ ዝሓተቶ 33 ሚልዮን ዶላር፣ ዛጊት 30% ጥራይ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፣ ብዛዕባ ህሉው ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ፣ ብ19 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ወቕታዊ ጸብጻብ፣ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ቆልዑ ዝርከብዎም 2.8 ሚልዮን ሰባት፣ ህጹጽ ናይ መግብን መድሃኒት ሓገዝ ከምዘድሊ’ዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ዛጊት ተኣኪቡ ዘሎ ሓገ ዝካብ 30% ክሓልፍ ከምዘይክኣለ ኣመልኪቱ።

ዩኒሴፍ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ኣብ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ህጹጽ መድሃኒታት ንዝደልዩን ብዓጸቦ ንዝተጠቕዑን ቆልዑን ኣዴታትን ንምሕጋዝ ቀዳምነት ሰሪዑ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ 4.5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ ይጥቀስ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘራእቲ ብዘውረዶ ዕንወትን ካልእን ተደማሚሩ፣ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ረዲኤት ኮይኖም ምህላዎም ትካላት ግብረ ሰናይ ኣቀዲመን ክገልጻ ጸኒሐን’የን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0