ዩኒሰፍ፣ ኣብ ኤርትራ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት፣ ዝተጠቕዑ ልዕሊ 17 ሽሕ ቆልዑ ከምዝኣለየ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 12 August 2021

 

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ዝተጠቕዑ፣ 17,728 ቆልዑ ከምዝኣለየ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ዩኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ ወቕታዊ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቶም 6,865 ቆልዑ፣ ብከቢድ ዝተጠቕዑ ምንባሮም ዝሓበረ እቲ ትካል፣ እቶም ዝተረፉ 10,863 ድማ ኣብ ማእከላይ ኩነታት ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ዝጸንሑ’ዮም።

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጨንፈር ዩኒሴፍ፣ ኣብ ዓመተ 2021፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ዝተጠቕዑ፣ ልዕሊ 40 ሽሕ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ቆልዑን ንምክንኻን ወጢኑ እኳ እንተሎ፣ ካብ ዝሓተቶ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ምወላ ፍርቁ’ውን ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ መደብ ክዕወት ከምዘይክእል ኣተንቢሁ።

ካብ ዝሓተቶ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ምወላ፣ ኣስታት 6 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ካብ መንግስታት ጃፓን፣ ብሪጣንያን ካልኦት መሻርኽትን ዝረኸበ ዩኒሴፍ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ቆልዑ፣ ነፍሰጾር ኣዴታትን ቆልዑ ዘለዎም ዝተጸገሙ ስድራቤታትን ይሕግዘሉ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋናት፣ ንልዕሊ1.3 ሚልዮን ቆልዑ’ውን ህወይት ዘድሕን መሰረታዊ ክታበታት ምሃቡ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0