የመን ሒዛቶም ዘላ ሰለስተ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከይለቐቐት፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘይፍንዎም መንግስቲ ኤርትራ ምግላጹ ተሓቢሩ

የመን ሒዛቶም ዘላ ሰለስተ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከይለቐቐት፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘይፍንዎም መንግስቲ ኤርትራ ምግላጹ ተሓቢሩ

Radio Erena: January 29, 2014

yefi

የመን ሒዛቶም ዘላ ሰለስተ ኤርራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከይለቐቐት፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ከምዘይለቖም መንግስቲ ኤርትራ ምግላጹ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዝጸንሐ 132 የመናውያን ገፈፍቲ ድሕሪ ምልቓቑ፣ መንግስቲ የመን፣ እቶም ተሪፍዎም ዘለዉ ኣስታት 400 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ’ውን ክልቐቑ ከምዝሓተተ ብሬድዮ ኤረና ምቕልሑ ይዝከር።

እንተኾነ መንግስቲ የመን ዝሓዞም ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘየለዉ’ዩ ዝገልጽ።

 

ምክትል ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንጋዜጣ የመኒ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ ሕቶ ከምዘየቕረበ ኣረዲኡ።

ኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ የመን ሱጃ ማህዲ’ውን ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘየሉ ኣረዲኡ።

ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ፣ ጋዜጣ የመኒ ታይስም ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰንዓ እኳ እንተደወለ፣ እቲ ኤምባሲ ምላሽ ከምዘይሃበ’ውን ተጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ናብ ዓዶም ድሕሪ ምምላሶም መንግስታት የመንን ኤርትራን ብዛዕባ እቲ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝገፍሉ ክሊ ማይ ንጹር መረዳእታ ክህቡ ተላብዮም።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0