የመን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ቤት ማሰርቲ ጣይዝ ይሳቐዩ

Radio Erena: 08 January 2020

ኣብ ደቡባዊ የመን፣ ጣይዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ።

ማዕከናት ዜና ካብቲ ብዘቕርብኦ ዘለው መሰረት፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ምስጋር ሕልሚ ዝነበሮም ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ናብ የመን ዝሰገሩ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መዕለቢኦም ቤት ማእሰርቲ ጣይዝ ይኸውን ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ናይቲ ከባቢ ተቛጻጺሩ ዘሎ ሑቲ ነቶም ስደተኛታት ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ክቕርበሎም ብዘይምኽኣሉ፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተዎም’ዮም ዝገልጻ።

ኣብ የመን፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሕማቕ ኵነታት እኳ እንተሎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ዝሓለኑ፣ መብዛሕቶም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ከምዝኣትዉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የነጽር።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0