የመን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት’ታ ሃገር ናይ ቦምባ መጥቃዕታት ተኻዪዱ

Radio Erena: 30 June 2022

ኣብ የመን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት’ታ ሃገር ናይ ቦምባ መጥቃዕታት ተኻዪዱ

ብረቡዕ 29 ሰነ ኣብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም።

ንሓላፊ ጸጥታ ዞባ ላሀጅ፣ ሳልሕ ኣል-ሰይድ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሲቪላውያን ሓደ ከኣ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ክቕተሉ እንከለዉ፣ ካልኦት ሽዱሽተ ከኣ ብከቢድ ቆሲሎም፣ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ምህላዎም ተገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ጸጥታ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ምውጽኡ፣ ንወተሃደራውያን ሰበስልጣን ብምጥቃስ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ክፋል የመን፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ ከኣ፣ ብውሑዱ 10 ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝቐተለ መንግስታውያን ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

ዛጊት፣ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። እንተኾነ ኣብቲ ዞባ ባይታ ዘጣጥሕ ዘሎ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልቃዒዳ፣ ነቲ መጥቃዕታት ኣካዪዱዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

ሰበስልጣን መንግስቲ የመን ብወገኖም፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝሰልጠኑ ንምንጻል ደቡባዊ የመን ዝቃለሱ ሓይልታት ምልሻ እዮም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ክብሉ ይኸሱ።

ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም ሓይልታት ሑቲን፣ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብን፣ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ገይሮም፣ ኣብታ ሃገር ተስፋ ሰላም ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፣ እዚ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ቦምብ ዓንቃጺ ከይከውን ስግኣታት ኣሎ።

 

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0