የመን፣ ንኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘረከበት ክልቲኦም መንግስታት ብወግዒ ገሊጾም

የመን፣ ንኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘረከበት ክልቲኦም መንግስታት ብወግዒ ገሊጾም

Radio Erena: 09 July, 2014

Andargacheww

የመን፣ ናብ ኤርትራ የመርሕ ንዝነበረ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ኣብ ትራንዚት ድሕሪ ምሓዛ ብኡ ንብኡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘረከበትሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ የመንን ኢትዮጵያ ብዘሎ ብገበን ንዝድለዩ ውልቀሰባት ናይ ምርኽኻብ ስምምዕ ምዃኑ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓማድ ኣል ዓዋዲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን የመን ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ የመንን ካብ 1999 ኣትሒዙ ብዘሎ ስምምዕ፣ ብሕጊ ንዝድለዩ ሰባት ኣብ ዝሕዛሉ ግዜ ክረኻኸባ ዝፈቐድ ብምዃኑ’ዩ መንግስቲ የመን ንኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘረከቦ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብቴሊቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ ብክሲ ሽበራ ዝህደን ዝነበረ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብምትሕብባር ኣባላት ጸጥታ የመን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ተቓዋሚ ውድብ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ፣ ናይ ብሪጣንይ ዜግነተ’ውን ስለዘለዎ፣ ብሪጣንያ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ፣ ብመንገዲ ኣየር የመን ካብ ዱባይ ናብ ኣስመራ እናምርሐ ኣብ ትራንዚት ናብ ሰንዓ ኣብ ዝኣተወሉ’ዩ ብኡ ንብኡ ብኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ብጉዳያት ደሴታት ዝቑር ሓንሽ፣ ምትሓዝ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳን ምድግጋፍ ንተቓወምቲ ሁቲን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ዝጸንሐ መንግስቲ የመን፣ እዚ ሕጂ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ብዝበኣሰ ናብ ምትፍናን ከምርሖ ከምዝኽእል’ዩ ዝትንተን።

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ መርገጺ ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ የመንን ሱዳንን፣ ኣብ 2002 ሓያሎ ስምምዓት ዝሓቖፈ ብ’ሰንዓ ፎሮም’ ዝፍለጥ ስሉሳዊ ኪዳን ከምዘቖማ’ውን ዝዝከር’ዩ። ሱዳን ብወግዒ ካብቲ ኪዳን እኳ እንተዘይሰሓበት፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስልታዊ ዝምድና መስሪታ ትርከብ።

ጅቡትን ሶማልን’ውን ድሒረን ነቲ ኪዳን ብዘይወግዓዊ መንገዲ ከምዝተጸንበርኦ’ዩ ዝግለጽ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0