የመን፣ ናይ ባሕሪ ነታጕ ሓሙሽተ ገፈፍቲ ዓሳ ቀቲሉ

የመን፣ ናይ ባሕሪ ነታጕ ሓሙሽተ ገፈፍቲ ዓሳ ቀቲሉ

Radio Erena: 20 July 2018

Sea mine in Yemen

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝተዘርወ ነተጕቲ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ናይ ሞትን መቑሰልትን ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ ንሰበ ስልጣን ጸጥታ እታ ሃገር ብምጥቃስ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይታ ኵናት ዝካየደላ ዘሎ ወደብ ሖዴይዳ ዝተዘርው ነታጕ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙሽተ ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝቐተለ ክጠቕስ እንከሎ፣ ሸሞንተ ከኣ ቀሊል ጉድኣት በጺሖም ብህይወት ድሒኖም ኣለዉ።

እቲ ነታጕ ብሚሊሻ ሑቲ ከምዝተዘርወ መንግስቲ የመን ክወቕስ እንከሎ፣ ሑቲ ብወገኑ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ዝተኸልኦ ምዃነን’ዩ ዝኸስስ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ካልድ ያማኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበዝሐ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ባሕር ነታጕ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽብ ሓደጋ ከብጽሓለን ከምዝኽእል የጠንቕቕ።

ኣብ የመን ብሓፈሻ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ናይ ምድርን ባሕርን ነተጕቲ ከምዝተቐብሩ ዝሓበረ ጸብጻብ ሺንሁዋ፣ ንምጽራዩ ኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል የመልክት።

ኣብታ ሃገር፣ ነታጕ፣ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት፣ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ጌሩ ኣሎ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0