የመን፣ ነፋሪት ውግእ ስዑዲ ዓረብ ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ንስክላ ድሒኖም

የመን፣ ነፋሪት ውግእ ስዑዲ ዓረብ ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ንስክላ ድሒኖም

Radio Erena: 09 Januray 2018

Saudi Jet fighter

ኣብ ደቡባዊ የመን፣ ዞባ ሰዓዳ ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ውግእ ስዑዲ ዓረብ ብሰንበት 7 ጥሪ ወዲቓ።

እታ ስርሓት ብሪጣንያ ዝኾነት ቶርኔዶ ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ፣ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ከምዝወደቐት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ እኳ እንተገለጹ፣ ሑቲ ግና ብጸረ ነፈርቲ ከምዝሃረማ’ዩ ዝገልጽ።

ሓይልታት ልፍንቲ ድሕሪ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ብዘካየድዎ ናይ ሄሊኮፕተር ስርሒት፣ ንክልቲኦም ኣበርርታ ብህይወት ከድሕንዎም ከምዝኽኣለ ኣፈኛ እቶም ሓይልታት ገሊጹ።

ኣብ የመን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ሓይልታት ልፍንቲ ወዲቐን ኣለዋ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሐ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ሑቲ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ናይ የመን ኩነታት ብፖለቲካዊ ዘተ እንተዘይኮይኑ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክፍታሕ ከምዘይክእል’ውን እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0