የመን፣ ሓሙሽተ ወትሃደራት ሱዳን ተቐቲሎም

Radio Erena: 16 April 2017

Sudan army

ኣብ የመን፣ ኣንጻር ሰራዊት ሑቲ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓሙሽተ ወትሃደራት ሱዳን ከምዝተቐትሉን 22 ከኣ ከምዝቖሰሉን ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቶም ወትሃደራት ሱዳን፣ ብ11 ሚያዝያ ኣብ ጎቦታት ጃባል ኣልናር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከምዝተቀትሉ ዝሓበረ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም “ጸላእቲ” ዝበሎም ዕጡቓት ሑቲከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ጠቒሱ።

ኣፈኛ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ፣ ጀነራል ኣሕመድ ኣሲሪ ናኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቶም ዝተቀትሉ ወትሃደራት ሱዳን፣ ኣባላት ፍሉይ ስርሒት ምንባሮም ኣረጋጊጹ።

 ሑቲ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብቲ “ፍሹል ፈተነ” ዝበሎ ወትሃደራዊ ስርሒት ሓይልታት ልፍንቲ፣ ብርክት ዝበሉ ወትሃደራት ሱዳን ከምዝቐተለን ከምዘቑሰለን ሓቢሩ።

ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝስለፍ ኣስታት ሓደ ስሕ ሰራዊት ናብ የመን ልኢኻ ምህላዋ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0