የመን፣ ሑቲ ካብ ወደብ ሖደይዳ ይስሕብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 14 May 2019

ንወደብ ሖደይዳ ተቖጻጺሩ ዝጸንሐ ሑቲ፣ ካብታ ወደብ ይስሕብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ምስሓብ ሓይልታት ሑቲ ካብታ ወደብን ካልኦት ክልተ ንኣሽቱ ወደባትን፣ ምስቲ ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመንን
ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝኸተሞ ስምምዕን ዝተተሓሓዘ’ዩ።

ምስሓብ ሑቲ ካብተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሰለስተ ስትራቴጅያውያን ወደባት፣ ብከምቲ ዝተመደበሉ ይካየድ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ ሰበ ስልጣን ናይቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ዕጡቓት ሑቲ ካብታ ወደብ ንምስሓብ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝዓለመ መናውራ’ዩ ክብሉ ይነጽግዎ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንሑቲ ካብታ ወደብ ንምጽራጉ፣ ዘካየድዎ ጽዑቕ መጥቃዕታት ድሕሪ ምፍሻሉ’ዩ፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሽወደን ስምምዕ ተበጺሑ።

ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት፣ ነቲ ኣብ ወደብ ሖደይዳ እተካይዶ ዝነበረት ወትሃደራዊ ስርሒታት ካብ ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ዓሰብ ትብገስ ምንባራ’ዩ ዝግለጽ።

ሑቲ ካብታ ወደብ ምስሓቡ፣ ናብቲ ከባቢ ህጹጽ ናይ መግብን መድሃኒትን ረዲኤት ናብ ህዝቢ ክባጻሕ፣ ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕቡራት ሃገራት’ያ ክትኣቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0