የመን፣ ሑቲን መንግስትን ኣብ ጉዳይ ወደብ ሖደይዳ ምስምማዕ ይስእኑ

የመን፣ ሑቲን መንግስትን ኣብ ጉዳይ ወደብ ሖደይዳ ምስምማዕ ይስእኑ

Radio Erena: 12 December 2018

Yemen talks in Sweden

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም የመን፣ ሑቲን ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲን ኣብ ጉዳ’ታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከምዘይክኣሉ ተሓቢሩ።

ማእከል ስሕበት ፖለቲካዊን ወትሃደራውን ክልቲኦም ወገናት ዘላ ወደብ ሖደይዳ፣ ብሕቡራት ሃገራት ሃገራት ኣብ ዝተማእከለ ሓባራዊ ሰራዊት ክልቲኦም ወገናት ክትከውን ንዝቐረበ እዋመ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ኣይተቐበሎን።

ወደብ ሖደይዳ ኣብ ትሕቲ’ቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ የመን ክትኣቱ ኣለዋ ክብል’ዩ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ዝሳተፍ ዘሎ ወኪል’ቲ መንግስቲ ዝጠቕስ።

ሑቲ ግና፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ልዕሊኡ ዘካይድኦ ዘለዋ ናይ ነፈርቲ መጥቓዕታት ደው እንተቢለን፣ ንወደብ ሖዴይዳ ናብ ሕቡራት ሃገራት ከረክባ ድሉው ከምዘሎ የረጋግጽ።

ወደብ ሖደይዳ ካብ ሑቲ ንምምንዛዕ፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕታት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ’ዩ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ፣ ንክልቲኦም ወገናት ንምቅርራብ፣ ኣብ ሽወደን ኣብ ዘተ ዝካየድ ዘሎ።

ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ፣ ብኣመንቲ ሺዓ ዝቖመ ሑቲ፣ ብወትሃድራዊ ሓይሊ ንምንብርካኺ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝመራሕተን ኤርትራ እትርከበን 21 ሃገራት፣ ይተሓጋገዛ ‘ኳ እንተለዋ፣ ሑቲ ግና ሕጂ’ውን ሓይሊ ሚዛን የመን ተቖጻጺሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ቅርበት ንዘለዋ ወደብ ሖዴይዳ ካብ ሑቲ ንምምንዛዕ ኣብ ዝተኻየደ ሰለስተ ሰፋሕቲ መጥቃዕታት፣ ነፈርቲ ውግንእን መራኽንብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲን ንወደብ ዓሰብ ከም ናይ ሎጂስቲክ መናሃርያ ከምዝተጠቕማሉ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0