የመን፣ ሎሚ ዘብቅዐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ንምንውሑ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 02 August 2022

ኣብ መንጎ ሑቱን ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ መንግስቲ የመንን፣ ካብ 2 ሚያዝያ ኣትሒዙ በብክልተ ኣዋርሕ እናተናውሐ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ግዝያዊ ስምምዕ ምቑራጽ ተኽሲ፣ ትማሊ ሰሉስ 2 ነሓሰ ኣብቂዑ።

እቲ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ብወግዒ ድሕሪ ምብቅዑ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ሓድሽ ረጽሚ ከይለዓለ ተሰጊኡ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ መሻርኽቲን፣ ክልቲኦም ወገናት ካብ ተጻብኦታት ክቑጠቡን ስምምዕ ምቑራጽ ተኽሲ ከናውሑን ጸዊዖም።

ኣብ ተኽእሎ ምንዋሕ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ሑቲ ንምምይያጥ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመንን ወኪል ንግስነት ዖማንን፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ይርከቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0