ዞባ ዳርፉር፣ ንመዓልታት ኣብ ዝቐጸለ ግጭት 10ታት ተቐቲሎም

Radio Erena: 08 July 2021

ኣብ ሱዳን፣ ምዕራብ ዳርፉር ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ዝቐጸለ ግጭት፣ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

በቲ ግጭት ብውሑዱ ሓሙሽተ ቁሸታት ከምዝተቓጸላን ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ኣማኢት ነበርቲ ድማ ኣዘሪ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቝቦም ከምዘለዉ ተመልኪቱ።

መንግስቲ ነቲ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዝተጎሃሃረ ግጭት ንምህዳእ ዝወሰዶ ተሪር ስጉምቲ የለን ዝበሉ ነበርቲ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ዝኾነተ ኤል ጀነይና፣ ተቓውሞታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝቐጸለ ናይ ቀቢላ ግጭታት፣ ዳግም ዘጎሃሃሮ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ዞባ፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዘሎ ወጥርን ምትፍናንን፣ ካብ ውልቃዊ ባእሲ ክልተ ሰባት ተበጊሱ’ውን ናብ ናይ ቁሸት ግጭታት ከምዘምርሕ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዘለዉ ትካላት ግብረ ሰናይ ይጠቕሱ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ዞባ ዳርፉር ጠቕሊሉ ዝስሕብ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ንዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ 14 መደብራት ንመንግስቲ ሱዳን ኣረኪቡ።

እቲ መደበራት ናብ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝርከበሉ ዝነበረ እዋን፣ ግዳይ ዝምታን ስርቂን ከምዝኾነ ተጠቒሱ።

ንልዕሊ 13 ዓመታት ኣብ ዞባ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዙ ጠቕሊሉ ክወጽእ’ዩ ተወሲኑ።

ኣብ ክንድኡ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ምምኽኻር ዝሕግዝ ፍሉይ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ይርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0