ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ሓደጋ ላምፔዱሳ

Radio Erena: 03 October 2016

Lamp

ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ንሳልሳይ ሳልሳይ ዓመት ናይቲ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣስታት360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱሳ ይዝክር ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ስድራቤታት ግዳያት እቲ ሓደጋ፣ ናይ ዓመት ተዝካርን ጸሎተ ፍትሓትን ብምድላው፣ ነዞም ገና ሬስኦም ኣብ ጋህስታት ተደፊኑ ዘሎ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ መቕርቦም ይዝክሩ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድማ፣ ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ስለዝኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከይመጸ ስደትን ሳዕቤናቱን ደው ክብል ከምዘይክእል ብምትሕስሳብ፣ ነቶም ካብ ምልኪስን ሕሱም ኩነታትን ናብራን ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ዘጋጠሞም ወገናት ዘኪሮም።

ድሕሪ’ቲ መላእ ዓለም ዘሕዘነ ናይ 3 ጥቅምቲ 2013 ሓደጋ ላምፔድኡሳ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሰለስተ ዓመታት፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብውሕዱ ኣስታት 8 ሽሕ ስደተኛታት ሓያሎ ሃገራት ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት ኢጣልያ የመልክት።

ኣብ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ሬስኦም መንግስቲ ኤርትራ ብእኩብ ክርከቦም ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ገሊኦም ኣብ ሲሲልያ ክቕበርዎ እንከለዉ ናይ ገሊኦም ከኣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ጋህሲ ተደፊኑ ይርከብ።

ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ሬሳ ኤርትራውያን ንምርካብ ፍቓደኛ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ እኳ እንተዘርግሐ፣ በብሓደን ብሕቡእን ስድርኦም ክቕበልዎም እንተዘይኮይኑ፣ ሬስኦም ብሓባር ናብ ኤርትራ እንተኣትዩ ተቓውሞ ከለዓዕል ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ብእኩብ ክቕበሎም ፍቓደኛ ከምዘይነበረ ኣብቲ እዋን’ቲ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ነዞም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ነፍሰጾራት፣ ህጻናት፣ ቆልዑ፣ ኣዴታትን መንእሰያትን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ኢጣልያ እትርከበን ሃገራት ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጃሎምን ዝኽሪ ክገብራሎምን እንከለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣይኮነን ዶ ዝኽሪ ክገብረሎምን ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጀሎምን፣ ኣብ ፈለማ ከም ዜጋታት ኤርትራ’ውን ክቕበሎም ፍቓደኛ ኣይነበረን።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0