ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ካብ ዝነበሮ መመሊሱ ይንህር ኣሎ

Radio Erena: December 11, 2013

ባጤራ ናቕፋ፣ ኣብ 1997 ካብ ዝተሓትመሉ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዝበኣሰ ዝቕባበ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ዝሓበሩ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ክኢላታት ቁጠባ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምዃኑ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምእካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት፣ ከምቲ ዝድለ ከዕውቶ ስለዘይክኣለ፣ ኣብ ወጻኢ ኣባላቱ ብምውፋር ኣብ ዘይሕጋዊ ሓዋላን ሸርፍን’ውን ተዋፊሩ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

መጠን ሸርፊ ባጤራ ናቕፋ ብመንጽር ዶላርን ኤውሮን ክርአ እንከሎ፣ ኣብ ባንክ ኤርትራ ንሓደ ዶላር ብ 15 ናቕፋ ንሓደ ኤውሮ ድማ 18 ናቕፋ ክሽረፍ እንከሎ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ ንሓደ ዶላር 53 ን ሓደ ኤውሮ ድማ 63 ናቕፋ’ዩ ዝሸረፍ ዘሎ።

 

ብኡ መጠን ድማ እቲ ብእቶት መንግስታዊ ደሞዝ ዝናበር ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ዝበኣሰ ናይ መነባብሮ ቅልውላው ተሸሚሙ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ብባንክ ዝሕውል ኤርትራዊ ዳርጋ ናብ ዘየለ ደረጃ ብምውራዱ፣ ኣባላቱ ኣብ ወጻኢ ብምውፋር ኣብዚ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ይነጥፍ ምህላዉ ብሰፊሑ’ዩ ዝግለጽ።

እቶም ዕሉላት ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑ’ውን ናብ ኤርትራ ናብ ስድራቤታቶም ኣብ ዝልእክዎ ገንዘብ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝሕውልዎ ይፍለጥ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ባጤራ ሃገራት ተራእዩ ብዘሎ ዝቕባባ፣ ናይ ኤርትራ ባጤራ ናቕፋ ድሕሪ ናይ ዚምባብዌ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0