ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ሓርፋፍ ከምዘሎ ዲፕሎማሰኛታት የመልክቱ

ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ሓርፋፍ ከምዘሎ ዲፕሎማሰኛታት የመልክቱ

Radio Erena: 13 May 2015

pres

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት፣ ብመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ዝኾነ ሸፈነ ከይተዋህቦ ምሕላፉ፣ ኣብ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ኣዘራሪቡ።

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ብጉዳይ የመን ንምዝርራብ ብዝገበረሉ ዕድመ ብ29 ሚያዝያ ናብ ሪያድ ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ወግዓዊ ኣቐባብላ ከምዝተገብረሉን ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕን ድማ ሸፈነ ከምዝረኸበን ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዜና ይኹን ከምቲ ናይ ወትሩ ፕረዚደንት ንዝገብሮ ንጥፈታት ዝህብዎ ነዊሕ ናይ ጸብጻብ ሸፈነ ከይተገብረሉ’ዩ ሓሊፉ።

 

እዚ ድማ፣ ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ሕጂ’ውን ካብቲ ዝነበሮ ብዘይፍለ ሓርፋፍ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ወፍሪ፣ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ምሉእ ደገፍ ክህብኦ እንከለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ዝኾነ ዓይነት ምትእኽኻብ ከምዘይድግፍ’ዩ ኣነጺሩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንሑቲ ናይ የመን ከምእትድግፍ ብወግዒ ዝገለጸት ኢራን ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ ይክእል’ዩ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዑደት ናብ ስዑዲ ድማ፣ ወከልቲ ኤርትራ፣ ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብን ደሴታት ኤርትራን ከምዝተዘዋወሩ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ምጥቃሰን ይዝከር።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0