ዝሓለፈት ዓመት፣ ኣስታት 80 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም

Radio Erena: 22 June 2020

ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ ብቀዳም 20 ሰነ፣ ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ ውዒላ።

እዛ ዕለት፣ ዓለምና ንለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ምምካት ተጸሚዳትሉ ኣብ ዘላ እዋን ትዝከር ምህላዋ፣ እቲ ብድሆ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ስደት ንዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት ዝያዳ ኣሻቓሊ ምዃኑ እተዘኻኽር’ያ ክብል መግለጺ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳን ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2019፣ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 80 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ኣመልኪቱ።

ካብዚኣቶም እቶም 26 ሚልዮን ስደተኛታት ክኾኑ እንከለዉ እቶም 4.2 ድማ ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ’ዮም።

45.7 ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ደቂሰብ ክህልዉ እንከለዉ፣ ሓደ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝተመዝገበሉ ኣብ ቬኔዙዌላ ኮይኑ 3.6 ሚልዮን ከምዝበጽሕ እቲ መግለጺ ይጠቕስ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0