ዜና ዕረፍቲ

Radio Erena: 20 February 2021

ገዲም ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ብዕለት 19 ለካቲት 2021 ብሕማም ተሰዊኡ።
ሓርበኛ ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ኣብ ወርሒ መስከረም 1945 ኣብ ኣፈልባ ተወሊዱ። ዕድሜኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናይ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣፈልባ፣ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ድማ ኣብ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ድሕሪ ምክትታል፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሰይንት ጆሰፍ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ።
ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1972 ሃገራዊ ግቡኡ ንምፍጻም፣ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ።
ሓርበኛ ኣድሓኖም ኣብ ናይ ቃልሲ ህይወቱ፣ ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ኣዛዝን ኮሚሳርን ክፍለ ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ብምስታፍ፣ ጅግንነቱ ዘመስከረ ምንባሩ ይግለጽ።
ኣብ 1987 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ ዝተመርጸ ሓርበኛ ኣድሓኖም፣ ክፍሊ ንግዲ ንኽመርሕ ካብ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓቡ እዩ ናጽነት ኤርትራ ኣርኪቡ።
ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ማለት ከም ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ፣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ናይጀሪያን፣ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2001 ትግባረ ቅዋምን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዝጠልብ ድምጺ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝተሰምዓሉ፣ ክታሙ ኣንቢሩ ዳግም ናብ ቃልሲ ንሓርነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፉ።
ሓርበኛ ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ንሃገሩን ህዝቡን ኩልንትናኡ ዝኸፈ፣ ጸላእቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝኾኑ ባዕዳውያን ገዛእቲ ምስ ብጹቱ ኮይኑ ብትብዓት መኪቱ ዝሰዓረ፣ ምሁርን ክኢላን ሕጊ፣ ኣመሓዳሪ፣ ዲኦማሰኛ፣ ብሉጽ ጸሓፋይን ክሳብ መወዳእታ ድማ ተቓላሳይ ፍትሕን ደሞክራስን ኔሩ።
ተጋዳላይ ኣድሓኖም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ራድዮ ኤረና፣ ንስድራቤት ሓርበኛ ኣድሓኖምን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Daniel 3 years ago

    You have done you duty to your people and country.
    RIP our Hero.