2ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፣ 5 ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት 10 ተቐዳደምቲ ብምእታው ዳግማይ ደሚቖም

Radio Erena: 24 February 2020

ዙር ርዋንዳ ሎሚ ሰኑይ 24 ለካቲት ካብ ኪጋሊ ተበጊሱ ናብ ሁየ ኣብ ዘቕንዐ ናይ 120.5 ኪሎ ሜትር ንኻልኣይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ 5 ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት 10 ተቐዳደምቲ ብምእታው ዳግማይ ደሚቖም ውጺኦም።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ውድድር ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ዝርከባ ደሓር ናብ 3 ሰባት ዝጸረየት 5 ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ጉጅለ ልዕሊ 5 ደቒቕ ፍልልይ ኣንጺፋ ሃዲማ ዝወዓለት ክትከውን ከላ፡ ጸወታ ክፍጸም ሒደት ኪሎ ሜትራት ምስ ተረፎ ግን፡ ብዓባይ ጉጅለ ተዋሒጣ።

ኣብ መወዳእታ ብሓባር ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ፡ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ኒፖ ዴልኮ፡ ኢትዮጵያዊ ሙሉ ክንፈ ቐዲሙ ሕንጻጽ ክረግጽ ከሎ፡ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ፡ ዮናታን ሬስትሪፖን ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ካብ ክለብ ኒፖ ዴልኮን ድማ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም።

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሲራክ ተስፎምን ናትናኤል ተስፋጽዮን 5ይ 7ይን ተርታ ኮይኖም ክኣትዉ ከለዉ፡ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ መኽሰብ ደበሳይን፡ ተቐዳዳማይ ማሌዣዊት ክለብ ትሬንጋኑ መትከል ኢዮብን ድማ፡ ብቅደም ተኸተል 6ይን 10ይን ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ’ዚ ዕለት ኩሎም ተቐዳደምቲ ብሓባር ብምእታዎም ኣብ ማልያታት ዝመጸ ለውጢ የለን። ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ጽባሕ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ ብዘምርሕ ናይ 142 ኪሎ ሜትር ጉዕዞ ክቕጽል እዩ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0