ዘይሕጋዊ ኮንትሮባንድ ኣቝሑ ዝጸዓና መካይን ተታሒዘን

ዘይሕጋዊ ኮንትሮባንዳ ኣቝሑ ዝጸዓና 80 ዓበይቲ መካይን ሎሪን ፒክ ኣፕ ዝዓይነተን መካይንን፣ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣትዋሉ ዝነበራ ከምዝተታሕዛ ንሰበ ስልጣን ከሰላ ብምጥቃስ ኣልራኮባ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እተን ከም ናፍታ፣ ላምባ፣ ዘይቲ፣ ፊኖ፣ ስርናይን ካልእን ዝጸዓና 80 ሎሪ፣ ብምዕራባዊ ከሰላ ኣቢለን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ንምእታው ኣብ ዝፈተናሉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ደው ንምባለን እኳ እንተፈተኑ፣ ሓያሎ ካብተን ዓበይቲ መካይን ግና ጥሒሰን ክሃድማ ብምፍታነን፣ ጠያይትቲ ተኵሶም ጎማታተን ብምብሳዕ ደው ከብልወን ከምዝኽኣሉ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እተን 10 ሎሪ ምስ 11 ኣባላተን ኣብ ቀይዲ ክኣትዋ እንከለዋ፣ እተን 30 ድማ ብኡ ንብኡ ናብ ውሽጢ ሱዳን ከምዝተመልሳ’ውን ተገሊጹ።
40 ዝኾና ሎሪ ዝዓነተን መካይን ግና ዶብ ኤርትራ ኣቛሪጸን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝኣተዋ ጸብጻብ ኣልራኩባ ኣፍሊጡ።
እቲ ናብ ኤርትራ ክጓረት ዝተወጠነ ናይ ኮንትሮባንዳ ኣቝሑ 160 ሽሕ ዶላር ከምዝግመት ሰበ ስልጣን ሱዳን ይጠቕሱ።
ኣብ ኤርትራ ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ እናጎልሐ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ካብ ጊርባ ክሳብ ከሰላ ልዕሊ 40  ነቑጣታት መዐደሊ ነዳዲ ምኽፋተን፣ ነዳዲ ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ ንምሻጥ ዝዓለመ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም’ውን ሰበ ስልጣን ከሰላ ይጠቕሱ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም፣ ከም ነዳዲ፣ ዘይትን ፊኖን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ብኮንትሮባንዳ ኣቢሉ ካብ ከሰላ ብሱዳን ካብ የመን ድማ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ይእቱ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ብኮንትሮባንዳ ከምዝኣተወ ዝተሓበረ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ዘይቲ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ምህላዉ ብሬድዮ ኤረና ምግላጹ ኣይርሳዕን።
ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ዝተዋፈሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ናይ ኮንትሮባንዳ ሸቐጥ ይሳተፉ ምህላዎም ኣብ ኤርትራ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ጉዳይ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0