ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ይቕጽል

Radio Erena: 20 October 2019

መራሒ ተቓዋሚ ሓይሊ ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር፣ ዘተ ሰላም ንምቕጻል ናብ ከተማ ጁባ ከምዝኣተወ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ወሃብ ቃል’ቲ ውድብ ፒተር ማናዋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሪክ ማቻር ብቀዳም 19 ጥቅምቲ ናብ ከተማ ጁባ ከምዝኣተወን ንክልተ መዓልታት ክጸንሕ ምዃኑን ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ዝግበር ዘተ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ንዝቐረቡ ቅድመ-ኩነት ክዝተየሎም መደብ ከምዘሎ እቲ ወሃብ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሪክ ማቻር ከም ቅድመ ኩነት ዘቕረቦም ነጥብታት፣ ንጸጥታን ብዝሒ ዞባታት ወይ ግዝኣታት ዝምልከቱ ከምዝኾኑ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።

ብኻልእ ወገን ልኡኽ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናብ ከተማ ጁባ ብምምራሕ በብውልቂ ምስ ክልቲኦም መራሕቲ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።
ሪክ ማቻር ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2016 ንህይወቱ ብምፍራሕ መጀመሪያ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ቀጺሉ ከኣ ናብ ሱዳን ብምህዳም እዩ ዑቕባ ሓቲቱ ዝነብር ዘሎ።

ብመሰረት’ዚ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፣ ሪክ ማቻር ሓደ ካብ ኣርባዕተ ቦታታት ምኽትል ፕረዚደንት ክሕዝ ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ሰላም ናብ ሃገሩ ብቕጽበት ከይምለስ ግና ‘ንህይወተይ ውሕስነት ክወሃበኒ ኣለዎ’ ብምባል ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን እዩ ዝነብር ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0