‘ዘተ ሰላም ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኣይተሳማማዕናን’ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ንለውጥን

Radio Erena: 16 June 2019

ምንቅስቓስ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን፣ ዘተ ሰላም እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተሳማሚዖም ዝተባህለ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ንህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፣ ኢትዮጵያ ዘተ ሰላም ክትሽምግል ተሳማሚዑ ደኣ’ምበር፣ እቲ ዘተ ካብ መሬት ሱዳን ወጻኢ ክካየድ ከምዘይተሳማመዐ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ግዚያዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ተቓወምቱ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክዛተዩ ምድላዮም፣ ንጉዳይ ሰላም ሱዳን ዕቱብ ኣቓልቦ ዘይምሃቦም ዘርእይ እዩ ብምባል ነቒፉዎም እዩ።

እንተኾነ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ለውጥን ብዓርቢ 14 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመዘዛ ጉጅለ፣ ኣብ ካርቱም ብዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣቢላ ነቲ ዘተ ከተካዪዶ ከምዝተሰማመዐ’ዩ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ቆንስልን ምንቅስቓስ ንናጽነትን ለውጥን ናይ ሽምግልና ሓላፍነት ክወስዱ ድሕሪ ዘቕረቡዎ ጠለብ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዕለት 8 ሰነ ናብ ሱዳን ዑደት ድሕሪ ምክያዱ ክልቲኦም ወገናት ከምዝተቐበልዎ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0