ዕጡቓት ውድባት ሱዳን፣ ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም

Radio Erena: 21 July 2019

ልፍንቲ መስሪቶም ዘለዉ ዕጡቓት ውድባት ሱዳን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሓይሊ ንናጽነትን ወተሃደራዊ ጉጅለን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም።

እቲ ብዑመር ኣልዲገይር ዝምራሕ ልፍንቲ፣ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኩላትና ንሰማማዓሉ ውሽጣዊ ቅዋምና ከየጽደቕና ኣብ ዘተ ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና ብምባል፣ ነቲ ምስ ሓይሊ ንናጽነት መዲቡዎ ዝነበረ ርክብ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለን ሓይሊ ንናጽነትን ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፣ ንጠለብ ህዝቢ ሱዳን ዝምልስ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፣ ናይቶም ኣብ ዘበነ ኣልበሽር ገበናት ዝፈጸሙ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣን ነበርን ጉዳይ’ውን ስለዘይተጠቕሰ፣ እቲ ስምምዕ ከረዳድኣና ኣይክእልን’ዩ ክብል እዩ እቲ ልፍንቲ ዕጡቓት ውድባት ዝገልጽ።

ንህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ዝመርሐ ሓይሊ ንናጽነት፣ ምሉእ ስልጣን ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣረኪቡ ክብሉ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ሰበስልጣናቱ ምሉእ ውሕስነት ክወሃቦም ብዘቕረቦ ጠለብ መሰረት ምስ ሓይሊ ንናጽነት ተሰማሚዑ እዩ።

እዚ ማለት ከኣ ኣብ ዕለት 3 ናይ ወርሒ ሰነ ምልሻ ጃንጃዊድ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዘውረዶ ዘስካሕክሕ ህልቂት ኣይክሕተተሉን እዩ ማለት ስለዝኾነ፣ በዚ ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ክብል ልፍንቲ ዕጡቓት ውድባት ይገልጽ።

ከምዝፍለጥ መራሒ ምልሻ ጃንጃዊድ፣ ናይቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምኽትል ኣቦ ወንበር ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0