ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ምዕራብን ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ኤርትራ ገና ምፍራይ ይቕጽል ምህላዉ ውድብ መግብ ሕርሻን ኣተሓሳሲቡ

Radio Erena: 01 October 2020

ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ሃገራት ደቡባዊ ኤስያን ብብዝሒ ዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ብተዛማዲ ክዝሕል ይርአ እኳ እንተሎ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሒደት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ግና እቲ ስግኣት ቀጻሊ ምህላዉ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ውድብ ኣብ ዝዘርግሖ እዋናዊ መግለጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ምዕራባዊ ሸነኽን ካብ ዓሰብ ክሳብ ቅሮራ ኣብ ዘሎ ገማግም ቀይሕ ባሕርን እንቋቁሑ ዝጸፊ ዘሎ ናይ በረኻ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዝመጽእ ቅንያት ሓደጋ ከውርድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝወርድ ዘሎ ሓያል ዝናብ፣ ንምርባሕ ኣንበጣ ምቹእ ስለዝኾነ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ቅድመ ምድላኣት ክገብራ ኣቐዲሙ መጠንቐቕታ ክቀርብ ጸኒሑ’ዩ።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ብዝበኣሰ የጥቅዕ ከምዘሎ ዘመልከተ ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ሱዳን፣ የመንን ስዑዲ ዓረብ’ውን ካብዚ ናይ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ሓደጋ ናጻ ከምዘይኮና ኣስሚርሉ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ምስ መንግስታት እዘን ሃገራት ብምትሕብባር፣ ውራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ይሰርሕ እኳ እንተሎ፣ ዝተወሃሃደን ሓባራዊን ጻዕሪ እዘን ሃገራት ከምዘድሊ’ዩ ዘዘኻኽር።

ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ሚልዮናት ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ይቃላዕ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0