ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ኣብ ዘተ ሰላም ንዝተፈረመ ስምምዕ ከተግብር ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ

Radio Erena: 08 July 2019

ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ኣብ ዘተ ሰላም ንዝተፈረመ ስምምዕ ከተግብር ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣልቡርሃን ብቀዳም 6 ሓምለ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኣብዚ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ፣ ሰዓሪን ተሰዓሪን ከምዘየለ ድሕሪ ምብራህ፣ ሱዳን ናይ ኩሎም ዜጋታታ ሙዃና ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መደርኡ፣ ምስ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ብሓባር ክሰርሕ ድሉውነቱ ብምግላጽ፣ ሱዳን እታ ዜጋታታ ዝምነዩዋ ናይ ናጽነት፣ ደሞክራሲን ፍትሒን ሃገር ክትከውን ክንጽዕር ኢና ኢሉ።

ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ክልተ እብረ ተመቒሉ፣ ክልቲኦም ወገናት በብተራ ክመርሕዎ እዮም ተሰማሚዖም። እንተኾነ ንምቛም ቤት ምኽሪ ብዝምልከት ዝግበር ዘተ፣ ገና ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ስለዝጅምር፣ ኩነታት ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ፍታሕ ረኺቡ ምባል ኣጸጋሚ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0