ዓቕሚ ዓ.ሰላም ሕ.ኣ. ክብ ንምባል ዝዓለመ ዋዕላ ተኻዪዱ

ዓቕሚ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክብ ንምባል ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተኻዪዱ።

    
    ኣብዚ ሚኒስተራት ምክልኻል ኣባል ሃገራት ዝተሳተፉዎ ዋዕላ፣ ብ31 ነሓሰን 1 መስከረምን ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ዘዋፍረሉ እዋን፣ ብቕዓት ዘለዎን ቅጽበታዊ ምላሽ ዝህብን ሰራዊት ዝቖመሉ መንገዲ ንምንዳይ ዝዓለመ ምንባሩ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
    
    ኣብ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፣ ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ኣምባሳደር ስማዒል ሸርጉዊ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኣብዚ ዝመጽእ 10 ዓመታት ድልዱል ውሕስነት ዘለዎ ናይ ጸጥታ ሰራዊት ንኽቐውም፣ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሁ።
    
    ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሚኒስተራት ምክልኻል፣ ወተሃደራዊ ክኢላታት፣ ከምኡ’ውን መራሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣባል ሃገራት ኣበርክቶአን ከዕዝዛ፣ ዓቃብ ሰላም ቅጽበታዊ ረዲኤት ክህበሉ ዝኽእል ዓቕሚ ምውናን፣ ናይዚ ሕጂ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ዓቕምን ክእለትን ምግምጋም፣ ዝብሉን ካልእ ኣርእስታትን ኣልዒሎም ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።
    
    ውጽኢት’ዚ ዋዕላ፣ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕቃብ ሰላም፣ ክቐርብ ምዃኑ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተዛዘመሉ ተሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0